3 “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ በቲ ቐዳማይ ክብረቱ ዝረአዮ፥ ካባኻትኩም ዝተረፈ መን ኣሎ? ሕዚኸ ኸመይ ኮይኑ ትሪእዎ ኣለኹም? ኣብ ኣዒንትኹም ከም ዘየለዶ ኣይኮነን?
ዳዊት “ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ለግለግን እዩ። እዛ ንእግዚኣብሄር ክሰርሓ ዘለዎ ቤተ መቕደስ ግና ኣብ ኵለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን የመና ፅብቕትን ክትከውን ይግባእ፤ ስለዙይ ኵሉ ዘድሊ ኸዳልወላ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ስለዙይ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ።
“ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፥ ምሕረቱ ኸዓ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተቐባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፥ ዓው ኢሎም ዕልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረጋውያን ከዓ፥ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኣቶም ምስ ተሰረተት፥ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት።
መልክዕ ሽልማቶም ንትዕቢት ኮኖም፤ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዘፈንፍኑ ጣዖታቶምን ንርኽሰት ገበርክዎ።
ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”