8 ናብ እምባታት ደይቡ፤ ዕንፀይቲ ኣምፅኡ፤ ነቲ ቤትውን ስርሕዎ። ኣነ ብእኡ ኽሕጐስ እየ፤ ክምስገነሉውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ፥ ኣብ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝነግስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት በታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ዚፍ፥ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄር ክሃንፅ ጀመረ።
እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ፀሎትካን ምህለላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ነዛ ዝሰራሕኻያ ቤተ መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ። ኣዒንተይን ልበይን ከዓ ንሓዋሩ ኣብኣ ኽነብራ እየን።
ሕዚ ድማ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄርን እቲ ቕዱስ ኣቑሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ክኣቱስ፥ ተስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።”
ሕዚ ድማ ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ንክኸውን፥ ነዛ ቤት እዚኣ መሪፀያ ኣለኹ፤ ቀዲሰያውን ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይንውን ኵልሻዕ ኣብኣ ክኾኑ እዮም።
ንወቐርቲ እምንን ንፀረብቲ ዕንፀይትን ድማ ገንዘብ ሃቡ፤ ከምቲ ብቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝተኣዘዘ ዕንፀይቲ ቄድሮን ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ኢዮጴ ኸምፅኡሎም፥ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ምግብን መስተን ዘይትን ሃቡ።
ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፥ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕንፀይቲ ይኹን። መስርሒኡ ኸዓ ኻብ ቤተ መንግስቲ ግምጃ ቤት ይከፈል።
ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤልውን ክራኸብ እየ፤ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ክቕደስ እዩ።
“ነታ ስፍራ ቤተ መቕደሰይ ምእንቲ ኽሽልምዋ፥ ካብቲ ኽብሪ ሊባኖስ ዝኾነ ዱር፥ ፅሕድን ዝግባን ኦም ሊባኖስን፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤ ኣነውን ነቲ መርገፂ እግረይ ዝኾነ ቦታ፥ ከኽብሮ እየ።
ኵላቶም መጓሰታት ቄዳር ናባኺ ኽእከቡ፥ ማጓሉ ነባዮትውን ከገልግሉኺ፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም። ንኣይ ዘሐጕስ መስዋእቲ ኾይኖም ከዓ፥ ኣብቲ መሰውኢየይ ክወፁ እዮም፤ ኣነውን ንቤት ክብረይ፥ ከኽብር እየ።
ዘፀናንዑ ኣጥባታ ኽትጠብዉ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ክንዲ ዝደለኹም ሰቲኹም ድማ፥ ደስ ክብለኩም እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስኪ መንገድኹም ኣስተውዕሉ?
ንዅላቶም ኣህዛብ ከናውፅ እየ፤ ንዅላቶም ኣህዛብ ዝተመረፀ ኽቡር ነገር ድማ ኽመፅእ እዩ፤ ነዝ ቤት እዙይ ከዓ ብኽብሪ ኽመልኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”