4 “እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ?
እቲ ንጉስ ንነቢይ ናታን፥ “እስኪ ረአ! ኣነ ብፅሕዲ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ፤ ታቦት እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳን ኣብ ውሽጢ መጋረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
ንሱ ድማ “ንእማን ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ኽቕበለካ እንተሎዶ ልበይ ምሳኸ ኣይከደን? ሎሚ ብሩርን ክዳውንትን ቦታ ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣብዑርን ሓሻኽርን ኣግራድን እተጥርየሉ ጊዜ ድዩ?
ኣገልገልትኻ ነእማና ፈትዮም እዮምሞ፥ ንመሬታውን ሓዚኖም እዮምሞ።
ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንደድዋ፤ ንመሕደሪ ስምካውን ኣብ ምድሪ ኣርከስዋ።
ንምቕታል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድሓን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምፍራስ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስራሕውን ጊዜ ኣለዎ።
ሰፊሕ ቤት፥ በዓል ዓብዪ ሰገነት፥ ክሰርሕ እየ ዝብል ወይለኡ። ሰፋሕቲ መስኮታት የዳልወሉ፤ ብዕንፀይቲ ዝግባ የጋይፅ፤ ቀይሕ ቀለምውን ይቐብኦ።
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ዝባደመት እያ ኣብ እትብልዋ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ዝነብረሎም ኣብ ዘየለ ብዘይ ሰብን ብዘይ እንስሳን፥ ባድማ ዝኾኑ ኸተማታት ይሁዳን ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዘይብላ ስፍራን፥ ኣብ ኵለን ከተማታታን ከም ብሓድሽ፥ መሕደሪ እቶም መጓሰታቶም ዘስፍሩ ጓሶት ክኸውን እዩ።
ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን።
ዛይ። እግዚኣብሄር ንመሰውኢኡ ደርበየ፤ ንቤተ መቕደሱውን ፀልኦ፤ ንቕፅሪ ኣዳራሻታ ንፀላኢ ኣሕሊፉ ሃበ፤ ብዓመት በዓል ከም ዝግበር፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ብሓይሊ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
ኣሌፍ። እቲ ወርቂ ኸመይ ኢሉ ሃሰሰ? እቲ ፅሩይ ወርቂኸ ኸመይ ኢሉ ተለወጠ? ዝኸበሩ ኣእማን ቤተ መቕደስ፥ ፈቐዶ ወሰን መንገዲ ተበታቲኖም።
ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሓጌ መፀ፦
እምበኣር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንመንገድኹም እስኪ ብልብኹም ኣስተውዕልዎ?
“ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ።
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም።