3 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነቢይ ሓጌ መፀ፦
እቶም ነቢያት ከዓ፥ ነቢይ ሓጌን ዘካርያስ ወዲ ኣዶን፥ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ኣይሁድ፥ ንኣኣቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም።
ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ‘ቤት እግዚኣብሄር ዝስርሐሉ እዋን ኣይበፅሐን’ ይብሉ ኣለዉ” በለ።
“እዝ ቤት እዙይ ዓንዩ እንተሎስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ዝተሸለመ ኣባይቲ ኽትነብሩዶ ጊዜኡ እዩ?
ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ።