3 ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።
ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ።
ብእኡ ኸይረክስ፥ ዝበኸተን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ነቲ ኸም ርኹስ ዝሪኦ ደኣ እዩ ርኹስ ዝኾኖ እምበር፥ ብተፈጥሮኡ ርኹስ ነገር ከም ዘየለ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ፥ ፈሊጠን ተረዲአን ኣለኹ።
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
ብምኽንያት ምግቢ፥ ንስራሕ እግዚኣብሄር ኣይተፍርሶ። ብርግፅ ዅሉ ንፁህ እዩ፤ ነቲ ብምውልዋል ዝበልዕ ሰብ ግና፥ ክፉእ እዩ።
እቲ ዝበልዕ፥ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፤ እቲ ዘይበልዕውን፥ ነቲ ዝበልዕ ኣይንቀፎ፤ እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ እዩ እሞ።
ዅሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፤ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ኵሉ ግና ኣይሃንፅን እዩ።
እምበኣርከስ እንተ በላዕኹም፥ ወይ እንተ ሰተኹም፥ ወይ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም፥ ኵሉ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ግበርዎ።
“ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ቃሕ ከም ዝበለኩም ኣብ ኵለን ደጌታትኩም ሓሪድኩም ስጋ ብልዑ። ከም ሰስሓን ከም ድኵላን ዝበለ፥ ንፁህ ዝኾነ ሰብን ንፁህ ዘይኮነ ሰብን ይብልዓዮ።
ስለዙይ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ባሕትን፥ ሰናብትን ዝመፀ፥ ሓደኳ ኣይፍረድኩም።