Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 9:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 9:2
16 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን፥ ነቶም ማያት ዘውፅኦም በብዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ዝንቀሳቐሱ ዅሎምን፥ ክንፊ ዘለዎም በብዓይነቶም ኵሎም ኣዕዋፍን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።


እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ።


እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም።


ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዅሉ ኣራዊት በረኻን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ መሬት ፈጠረ። እንታይ ኢሉ ስም ከም ዘውፅአሎም ምእንቲ ኽርኢ ኸዓ ናብ ኣዳም ኣምፅኦም። ኵሉ ህይወት ዘለዎ ድማ በቲ ኣዳም ዘውፅአሉ ስም ተሰምየ።


ክጐዓዙ ኸዓ ጀመሩ፤ ኣብተን ኣብ ዙርያኣቶም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ዓብዪ ፍርሓት ወደቐን። ንደቂ ያእቆብ ከሳጕጎም ኢሉ ዝሰዓቦም ከዓ ሓደ እኳ ኣይነበረን።


እግዚኣብሄር ንኖህን ንደቁን ባረኾም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ኸዓ ምልእዋ።


ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።


ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝኾነዶ ትእመኖ ኢኻ? ተግባርካኸ ንእኡ ትሓድግ ዲኻ?


ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”


በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ።


ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ።


ኣብ ምድሪኹም ሰላም ክህብ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ብዘይ ስግኣት ትድቅሱ፤ ዘፍርሐኩም እውን ኣይህሉን እዩ። ንሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ሰይፊ ድማ ብልዕሊ ምድሪኹም ኣይሓልፍን።


ኵሉ ዓሌት እንስሳን፥ ኣዕዋፍን፥ ለመም ዝብልን፥ እንስሳ ባሕርን፥ ንሰብ ይግዛእ፤ ተገዚኡውን ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos