6 ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ፥ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈተ፤
ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ። ታሕተዋይን፥ ካልኣይን ሳልሳይን ደብሪ ግበረላ።
እቲ ማይ ከዓ ኽሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ ኸዓ ጫፋት እቶም እምባታት ተርኣዩ።
ንኳዅ ድማ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነፅፍ ንየን ነዘን ይብል ነበረ።
ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን።