2 እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያትን፥ መሳዅቲ ሰማይን ተዓፅወ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝዘንም ዝነበረ ዝናምውን ፀሓየ።
ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ኖህ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያት ገንፊሉ ወፀ፤ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፈተ።
ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዘነመ።
ኣነ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝናም ከዝንም እየሞ፥ ነቲ ዝፈጠርክዎ ዅሉ ህይወት ዘለዎ ድማ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ” በሎ።
ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በፂሕኻ ትፈልጥ? ኣብ ውሽጢ መሰረት ቃላይከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ?
ንደመናታት ሰማይ ብጥበቡ ኽቘፅሮም ዝኽእል መን እዩ? ነሕርብቲ ሰማይከ ኸም ዘፍስሱ ዝገብሮም መን እዩ?
ንደመና ናብ ላዕሊ ኸቝሞ እንተሎ፥ ንዓይኒ ባሕሪ ክኸፍቶ እንተሎ፥
ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፥ ናብ ልቢ ባሕሪ ደርበኻኒ፤ ወሓይዝ ከበቡኒ፤ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ።
ኣነ እኳ ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይ ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ፥ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ፥ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።