2 ካብ ኵሉ ንፁህ እንስሳ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ካብ ኵሉ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ኸክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥
ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ንዘርኢ ክኾኑን ብህይወት ክነብሩን፥ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ።
ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ዘይንፁህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን፥ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝንቀሳቐስ ኵሉን፥
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።
“ንሳቶም ንህዝበይ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ክምህርዎ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ምልላይ ከዓ ኸፍልጥዎ እዮም።
ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፥ ኣብ መንጎ ንፁህን ርኹስን ክትፈልዩ ኢኹም፤