1 እግዚኣብሄር ንኖህ “ኣብዛ ትውልዲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድመይ ፃድቕ ኴንካ ረኺበካ እየ እሞ፥ ምስ ኵሉ ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ።
ምሳኻ ግና ኺዳነይ ከቕውም እየ፤ ንስኻ፥ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፥ ሒዝካ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ።
ትውልዲ ኖህ ከምዙይ እዩ፦ ኖህ ብትውልዱ ፃድቕን ቅኑዕን ሰብ ነበረ። ኖህ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኖህን፥ ደቁ ሴምን ካምን ያፌትን፥ ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ናብ መርከብ ኣተዉ።
ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከዓ ምስኡ ኻብ ማይ ጥፍኣት ክድሕኑ ናብ መርከብ ኣተዉ።
ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤ ካብ በደልውን ንርእሰይ ዓቀብኩ፤
ብቕንዕና ዝመላለስ ሃዲኡ ይኸይድ፤ ጠዋይ ኣካይዳ ዝኸይድ ግና ይፍለጥ።
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ፅኑዕ እምባ ኣለዎ፤ ንደቁውን መዕቘቢ ይረክብ።
ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።
እዞም ሰለስተ ሰባት ኖህ፥ ዳንኤልን ኢዮብን ኣብኣ እኳ እንተ ዝነብሩ፥ ንሳቶምስ ብፅድቆም ንነፍሶም ጥራሕ መድሓኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ።
ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።
ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም።
ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።
እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ደሓና።