3 ኣዳም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ፤ ብምስሉ ኸም መልክዑ ወዲ ወለደ። ሴት ኢሉውን ሰመዮ።
ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ።
ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩውን ፈጠሮም፤ ባረኾምውን። በታ ዝተፈጠሩላ መዓልቲ ኸዓ ስሞም “ኣዳም” ኢሉ ሰመዮም።
ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ።
ካብ ርኹስ ነገርከ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ ዝኽእል የለን።
ሰብከ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቅ፥ ክኸውን ይኽእል? ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ፥ ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል?
እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ፤ እነይውን ብሓጢኣት ወለደትኒ።
እቲ መልኣኽ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦ “መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይሊ ልዑል እግዚኣብሄርውን ከፅልለልኪ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ቅዱስ እዩ፤ ወዲ እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ።
ወዲ ቃይንም፥ ወዲ ኣርፋክስድ፥ ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥
እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።
ብሰንኪ ሓደ ሰብ፥ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መፀ፤ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተሓላለፈ።
ስጋ ሰብ በይኑ፥ ስጋ እንስሳ በይኑ፥ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፥ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፥ ኵሉ ስጋ ሓደ ዓይነት ኣይኮነንሞ።
ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና፥ ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና።
ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።