8 ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል “ንበረኻ ንኺድ” በሎ። ኣብ በረኻ ምስ ከዱ ኸዓ፥ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ወቒዑ ቐተሎ።
ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ።
ኣነ ገረድካ ኸዓ ኽልተ ኣወዳት ነበሩኒ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ዘገላግሎም ኣብ ዘይብሉ በረኻ ተባኢሶም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
ኢዮራም ከዓ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ተደላደለ፥ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኣቶም ካብ ኣሕሉቕ እስራኤልን ብሰይፊ ቐተሎም።
ሰንባላጥን ጌሳምን ከዓ ኣብ ልዕለይ ክፉእ ክገብሩ ሓሲቦም ስለ ዝነበሩ “ነዓ፥ ካብተን ኣብ ጐልጐል ኦኖ ዘለዋ ዓድታት ኣብ ሓንቲ ንራኸብ” ኢሎም ለኣኹለይ።
ሽዑ ብሓቂ ብዘይ ሕፍረት ገፅካ ኽተቕንዕ ኢኻ፤ ፅኑዕ ትኸውን እምበር ኣይትፈርሕን ኢኻ።
ኦ ጐይታ፥ ነቶም ሓጥኣን ትቐትሎም እንተ ደኣ ዄንካ፥ ኣቱም ናይ ደም ሰባት፥ ካባይ ረሓቑ!
ቃል ኣፉ ግፍዕን ጥበራን እዩ፤ ምስትውዓልን ሰናይ ምግባርንውን ሓደገ።
ዘረባኡ ኻብ ጠስሚ ለዘበ፤ ኣብ ልቡ ግና ዂናት ኣሎ፤ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ለስለሱ፤ ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም።
መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።
ንሰብ ፀላእቱ ቤተሰቡ እዮምሞ፥ ወዲ ነቦኡ ኽንዕቕ እዩ፤ ጓል ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ መርዓት ከዓ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ኽትለዓል እያ።
ብፅልኢ ደፊኡ እንተ ቐተሎ፥ ወይ ተፀናትዩ ዝኾነ ደርቢዩ እንተ ቐተሎ፥
ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።
ኢየሱስ ድማ “ይሁዳ፥ ብምስዓምዶ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ?” በሎ።
ኣቤል፥ ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልፅ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ብእምነት ኣቕረበ። እግዚኣብሄር፥ ንመስዋእቱ ብፅቡቕ ስለ ዝተቐበሎ ኸዓ፥ ፃድቕ ሰብ ከም ዝኾነ መስከረሉ። ሞይቱ እንተሎውን፥ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!