Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 4:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 4:1
8 Referencias Cruzadas  

ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።


ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።


ደጊማውን ንሓዉ ኣቤል ወለደት። ኣቤል ጓሳ ኣባጊዕ ኾነ፤ ቃየል ከዓ ሓረስታይ ኮነ።


ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ።


“ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ፥ ካብ ኵሉ ስራሕናን ከቢድ ፃዕርናን ከዕርፈና እዩ” እንትብል ኖህ ኢሉ ሰመዮ።


እንሆ፥ ውሉድ፥ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዮም፤ ፍረ ማህፀንውን፥ ናቱ ዋጋ እዩ።


ሕዚ ድማ ተባዕታይ ዝኾነ ቕተሉ፤ ሰብኣይ ዘእተዋ ዅለን ኣንስቲ ቕተልወን።


ከምቲ ኻብ ሰይጣን ወገን ዝነበረ፥ ንሓዉ ኸዓ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ? ግብሩ ኽፉእ፥ ግብሪ ሓዉ ግና፥ ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos