3 ጐይታኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገብሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዘቕንዐሉን ረአየ።
እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ዓበየ፤ ኣብ ምድረ በዳውን ተቐመጠ፤ ቀስተኛ ኸዓ ኾነ።
በቲ ዘመን እቱይ ድማ፥ ኣቢሜሌክ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን መፂኡ፥ ንኣብርሃም “ብእትገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ።
ሕዚ ኸዓ ኸምቲ ኣነ ፅቡቕ ዝገበርኩልካ፥ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፥ ከምኡ ኽትገብር እምበር፥ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ክፉእ ከይትገብር ብእግዚኣብሄር መሓለለይ” በሎ።
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና እሞ፥ ከምቲ ንሕና ዘይነኻእናካ፥ ፅቡቕውን ዝገበርናልካ፥ ብሰላም ድማ ዘፋኖናካ፥ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፥ ንሕናን ንስኻን ንስንሳትና ንመሓሓል፤ ምሳኻ ኸዓ ኺዳን ንእቶ፥ ኢልና መኸርና። ሕዚ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ ኢኻ” በልዎ።
ላባ ድማ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፥ እግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ ኣለኹ እሞ፥
ኣነ እንተይመፃእኹ ውሑዳት ነበራኻ፤ ሕዚ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፥ ኬርና በዝሓ፤ ሕዚ ኸዓ ንናይ ባዕለይ ቤተ ሰብ ዝኸውን ዝሓስበሉ ድኣ መኣዝ እዩ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ስራሑ ዝቐንዐሉ ሰብ ኮነ። ኣብ ቤት እቲ ግብፃዊ ጐይታኡ ድማ ይነብር ነበረ።
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ።
እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዮሴፍ ዝነበረ ሓደ ነገር እኳ ኣይሓልን ነበረ፤ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር የቃንዐሉ ነበረ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን።
ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር።
ቅድም ኢሉ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ።
ሰሎሞን ወዲ ዳዊት መንግስቱ ኣፅኒዑ ሓዘ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረውን የመና ኣዕበዮ።
እቲ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዝምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብህይወት እንተሎ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ፤ ንእግዚኣብሄር ከገልግል እንተሎ ኸዓ እግዚኣብሄር ሞገስ ይህቦ ነበረ።
ሽዑ ኣነ ኸምዙይ ኢለ መለስኩሎም፦ “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዐልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተሲእና ኽንሰርሕ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ክፍልን መሰልን መዘከርታን የብልኩምን” በልክዎም።
ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
እቲ ምውፃእ ገንዘብ፥ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ፥ ኣብ ገዛኡ የቐምጥ።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።”
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።
ዳዊትውን ብዅሉ ኣካይዳኡ ኣስተውዒሉ ይገብር ነበረ፤ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ።
ሳኦል እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎን ሜልኮል ጓሉ ድማ ኸም ዝፈተወቶን ምስ ረአየን ምስ ፈለጠን፥
ሳሙኤል ከዓ ዓበየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ሳሙኤል ካብ ዝዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ መሬት ኣይወድቕን ነበረ።