Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 3:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4-5 እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ “እግዚኣብሄርስ በታ ኻብኣ ብትበልዑላ መዓልቲ፥ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፥ ከም እግዚኣብሄርውን ከም እትኾኑ፥ ፅቡቕን ክፉእን ከዓ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ ‘ኣይትብልዑ’ ዝበለኩም እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 3:4
13 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት።


ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእኸል ገነት ዘላ ኦም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ‘ከይትሞቱስ፥ ካብኣ ኣይትብልዑ፤ ኣይትንክእዋውን’ ኢሉና እዩ” በለቶ።


ነቲ ንጉስ ድማ “እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ልኡኻት ዝሰደድካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብዝ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” በሎ።


ንሳቶም ድማ “ሓደ ሰብኣይ ክራኸበና መፀ፤ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም ‘እቲ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ክትጥይቕ ዝለኣኽካስ፥ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የለን እዩ? ስለዙይ ብርግፅ ክትመውት ኢኻ እምበር፥ ካብቲ ደቂስካሉ ዘለኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፤ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ንገርዎ በለና” በልዎ።


ኤልሳዕ ከዓ “ኪድ እሞ፥ ‘ምሕዋይስ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ። ግና ብርግፅ ከም ዝመውት እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ”


“ንሱ ድማ ‘ወፂአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ’ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ‘ንስኻስ ክተጋግዮ ትኽእል ኢኻ እሞ ኼድካ ኸምኡ ግበር’ በሎ።


ንሱ ብልቡ “እግዚኣብሄር ረሲዑኒ እዩ፤ ፈፂሙ ከይርኢውን ገፁ ሰወረ” ይብል።


ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።


ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።


እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ።


“ንቓል እዝ መርገም እዙይ ሰሚዑ፥ ብልቡ ‘ኣነስ ብትሪ ልበይ ከም ድሌተይ ክኸይድ እየ፤ ኵሉ ነገር ከዓ ሰናይ ክኾነለይ እዩ’ ዝብል ሓደ ኸይህሉ ተጠንቀቑ። እዝ ሰብ እዙይ ንዅልኻትኩም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ናይ ጥፍኣት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።


ከምኡ ኸዓ ሰበይቲ እያ ተታሊላ ትእዛዝ ዝጠሓሰት እምበር፥ ኣዳም ኣይተታለለን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos