2 እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ተመን “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፦ “ካብቲ ኣብ ገነት ዘሎ ዅሉ ፍረ ኦም ብላዕ።
ካብ ፍረ እታ ፅቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፤ ካብኣ እንተ በሊዕኻ በታ ዝበላዕኻላ መዓልቲ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዘዞ።
ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእኸል ገነት ዘላ ኦም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ‘ከይትሞቱስ፥ ካብኣ ኣይትብልዑ፤ ኣይትንክእዋውን’ ኢሉና እዩ” በለቶ።
ቍጥዓኦም ከም መርዚ ተመን እዩ፤ ከም ኣራዊት ምድሪ እዝና ዝፀመመ እዩ።