12 ኣዳም ከዓ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ፥ ካብታ ፍረ ኦም ሂባትንስ በሊዐ” በለ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ “ሰብ በይኑ ኽነብር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ ዝሰማማዕ ሓጋዚ ንፍጠረሉ” በለ።
ኣዳም ከዓ ንዅሉ እንስሳን፥ ነዕዋፍ ሰማይን፥ ንኣራዊት በረኻን፥ ስም ኣውፅአሎም። ንኣዳም ዝሰማማዕ ሓጋዚ ግና ኣይተረኽበን።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ነታ ኻብ ኣዳም ዝወሰዳ ዓፅሚ፥ ኣንስተይቲ ገይሩ ሰርሓ እሞ ናብ ኣዳም ኣምፅኣ።
ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።
“በደለይ ኣብ ጓጓይ ብምሕባእ፥ ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥
ሰብ ብስንፍናኡ መንገዱ የቐይንን፤ ልቡ ኸዓ ኣብ እግዚኣብሄር የንፀርፅር።
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥ “ብፃየይከ መን እዩ?” በሎ።
ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን።
ሳኦል ድማ “እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምፅእወን፥ ካብተን ኣብዑርን ኣባጊዕን ዘዝፀበቓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽስውእወን ኢሎም ዝሓደግወን እየን፤ ነተን ዝተረፋ ግና ፈፂምና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ።