10 ንሱ ኸዓ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፤ ጥራሐይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሐ ተሓባእኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ኣዳምን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራሖም ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይተሓፋፈሩን ነበሩ።
ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።
ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ፤ ጥራሖም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈፅሊ በለስ ሰፍዮም ከዓ ኣገልደሙ።
ስለዙይ ድማ እየ ኣብ ቅድሚኡ ዝድንግፅ፤ ነዙይ እንትሓስብውን ብእኡ ዝፈርሕ።
“በደለይ ኣብ ጓጓይ ብምሕባእ፥ ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥
ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤ ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ነጐድጓድን መብረቕን ምስ ረአዩ፥ ድምፂ መለኸትውን ምስ ሰምዑ፥ እቲ እምባ ድማ ኽትኪ ምስ ረአዩ፥ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ርሕቕ ኢሎም ድማ ቆሙ።
ንሙሴ ድማ “ንስኻ ባዕልኻ ተዛረበና፤ ክንሰምዐካ ኢና፤ ግና፥ ምእንቲ ኸይንመውት እግዚኣብሄር ኣይዛረበና” በልዎ።
ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከይሪኦ ስለ ዝፈርሐ፥ ገፁ ኸደነ።
እቲ ህዝቢ ኸም ዝዓበደ፥ ኣሮን ነቶም ህዝቢ ስዲ ኸም ዝሓደጎም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ከዓ ኸም ዝተነወሩ ሙሴ ረአየ።
ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ?
ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤ ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”
“ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን።
ሕዚኸ ስለ ምንታይ እንመውት? እዝ ዓብዪ ሓዊ ክበልዐና እዩሞ፤ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰሚዕና፥ ክንመውት ኢና።
“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”