1 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ።
ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ።
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ፥ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እዘን ኣእማን እዚኣተን እንጀራ ይኹና በል” በሎ።
“ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ‘እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፥ በእዳዎም ክፆሩኻ፥ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር” በሎ።
“ተደፊእኻ እንተ ሰጊድካለይ እዝ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ።
ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ።
ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።
ከምኡውን፥ ኣቱም ሰብኡት፥ ፀሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ፤ ንሳተን ካባኻትኩም ድኽም ዝበላ እየን፤ ንፀጋ ህይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።
እቲ ገበል ድማ፥ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ፥ ውሕጅ ዝመስል ማይ ካብ ኣፉ ኣፍሰሰ።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።