8 ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ብመስኮት ክጥምት እንተሎ፥ ይስሓቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ እንትፃወት ረአየ።
ሰብ ጌራራ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ጠየቕዎ። መልክዓ ፅቡቕ ስለ ዝነበረ፥ ደቂ እታ ሃገር ንርብቃ ኽብሉ ኸይቐትልዎ፥ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሐ። “ንሳ ሓፍተይ እያ” ኸዓ በሎም።
ኣቢሜሌክ ንይስሓቅ ፀዊዑ “እምበኣር ሰበይትኻ እያ! ስለ ምንታይ ደኣ ‘ሓፍተይ እያ’ ዝበልካ?” በሎ። ይስሓቅ ከዓ “ብሰንካ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ።
ኣብ መስኮት ቤተይ ኮይነ፥ ብዓይኒ ርግቢ ኣማዕዱ ነበርኩ።
ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እትፅዕረሉ ፃዕርን ግደኻ እዩሞ፥ ብዅለን በተን ከንቱ ዝኾና መዓልቲታትካ፥ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃበካ ዅለን መዓልቲታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲኻ ብሓጐስ ንበር።
ፍቱወይ ንሜዳቝን ርሕዶ ዋልያን ይመስል፤ እንሆ፥ ድሕሪ ግድግዳ ገዛ ደው ኢሉ ብመስኮት ይርኢ፥ ብዓይኒ ርግቢውን፥ ናብ ውሽጢ ይጥምት ኣሎ።
ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፥ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዐዉኺ እዮም፤ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።
ኣብ መስኰት ኮይና ጠመተት፤ እኖ ሲሳራ በቲ ዓይኒ ርግቢ ኾይና ዓው ኢላ ፀውዐት፤ ‘ሰረገላኡ ስለ ምንታይ ምምፃእ ደንጐየ? ስለ ምንታይከ ድምፂ መንኰራዅር ሰረገላኡ ደሓረ?’ በለት።