4-5 “ኣብርሃም ንቓለይ ስለ ዝተኣዘዘ፥ ነቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፥ ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፤ እዘን ኵለን ሃገራትውን ንዘርእኻ ኽህበን እየ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ።
ንዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ምድሪ ኸብዝሖ እየ። ሑፃ ምድሪ ኽቘፅር ዝኽእል ሰብ እንተልዩ፥ ዘርእኻውን ክቝፀር እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥
ንደገ ኣውፂኡ ድማ “ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር” በሎ። ኣስዒቡውን “ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ።
ኣብርሃም ብሓቂ ዓቢይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩሞ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮምሞ።
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።
ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም።
እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ድማ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕኻን።
እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህባ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ።
እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብ ምድሪ ጌሴም ተቐመጠ። ርስቶምውን ኮነት፤ ፈረዩ፤ የመናውን በዝሑ።
ግና እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዘብዝሖም ኣተስፍዩ ስለ ዝነበረ፥ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዅሎም ኣይቈፀሮምን ነበረ።
ስሙ ንዘለኣለም ቡሩኽ ይኸውን፤ ቅድሚ ፀሓይ ስሙ ኣሎ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብእኡ ኽባረኹ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኸመስግንዎ እዮም።
‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። ነታ ኽህቦም ዘተስፈኽዋ ምድሪ ድማ ብምልእታ ንዘርእኹም ክህባ እየ። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ርስቶም ክገብርዋ እዮም’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ባሮትካ ዘክር።”
ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ።
ንስኻትኩም ውሉድ ነቢያትን፥ ውሉድ እቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ስርዓትን ኢኹም። ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ፥ ውሉድ ኪዳን ኢኹም።
እቲ ተስፋ፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እዩ ተውሂቡ ዝነበረ። ንብዙሓት ከም ዝብል “ነዝርእትኻ” ኣይበለን፤ እንተ ኾነ ንሓደ ኸም ዝብል “ንዘርእኻ” በለ እምበር፤ ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ።
መፅሓፍውን እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም” እናበለ፥ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ኣብሰሮ።
“ካብቲ ሕሩም ነገር ሓደ እኳ እንተ ዘየልዒልኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ቍጥዓ መዓቱ ኽምለስ እዩ። ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እንተ ሓሊኹም ቅኑዕን ሰናይን ተግባር እንተ ጌርኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እውን እንተ ሰሚዕኹም፥ ንሱ ምሕረት ክገብረልኩም ክርህርሀልኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ከዓ ኸብዝሐኩም እዩ።”
ብፅድቅኹምን ብቕንዕና ልብኹምን ኣይኮንኩምን ንምድሮም እትኣትዉዋን እትወርስዋን ዘለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ፥ በቲ ዝገበርዎ ኽፍኣት እዩ፤ ከምኡውን እቲ ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ዝመሓለሎም ነገር ምእንቲ ኽፍፅም እዩ።
ነቶም ዓበይቲ እውን፥ በዙይ እዩ ዝተመስከረሎምሞ።