3 እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ።
እዛ ንስኻ እትሪኣ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ።
ተስእ፤ እዛ ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ እሞ ንውሓታን ግፍሓታን ኪዳ” በሎ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥
እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ሰበይትኻ ሳራ ወዲ ኽትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ‘ይስሓቅ’ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ኪዳነይ ከዓ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ።
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
ኣብርሃም ካብኡ ተልዒሉ ንምድሪ ኔጌብ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሱርን ተቐመጠ። ኣብ ጌራራውን ጋሻ ኾይኑ ቑሩብ ፀንሐ።
ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ወዱ ባረኾ። ይስሓቅ ከዓ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ኣብ ዝተብሃለ ዒላ ይቕመጥ ነበረ።
ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኾ ድማ በታ ዓመት እቲኣ ሚእቲ ዕፅፊ ረኸበ።
ኣባጊዕን ከፍትን ብዙሓት ኣገልገልትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ግና ቐንኡሉ።
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።
እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።
እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንያእቆብ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ።
እዛ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህባ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ።
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ስራሑ ዝቐንዐሉ ሰብ ኮነ። ኣብ ቤት እቲ ግብፃዊ ጐይታኡ ድማ ይነብር ነበረ።
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ።
ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ፥ “እንሆ፥ ኣነ ኽመውት ቀሪበ ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኽመልሰኩም እዩ።
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፥ “ኣነ ኽመውት እየ። እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ” በሎም።
ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ሓሰበ።
ናይ ዘለኣለም ኪዳኑን፥ እቲ ኽሳዕ ሽሕ ትውልዲ ዝኣዘዞ ቓሉን ዘከረ።
ነቲ ንኣብርሃም ዝገበሮን፥ ነቲ ንይስሓቅ ዝመሓሎን፥
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ፥ ከም ኣቦታተይውን ጋሻ እየሞ፥ ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ንኣውያተይውን ፅን በሎ፤ ንንብዓተይውን ሸለል ኣይትበሎ።
እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።
ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ምድሪ ከነዓን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም እየ።
ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ።
ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
ከምቲ ኻብ ጥንቲ ዘመን ጀሚርካ፥ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ሓቂ ንያእቆብ፥ ምሕረት ከዓ ንኣብርሃም ክትገብር ኢኻ።
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃም፥ ንይስሓቅ፥ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኦም ከዓ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ እንሆ ሂቡኩም ኣሎ፤ እተውዋን ውረስዋን’ ” ኢሉ ተዛረበና።
እግዚኣብሄር ድማ፦ “እታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ‘ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ እዚኣ እያ፤ ብዓይንኻ ኣርአኹኻ፤ ናብኣ ግና ኣይትሳገርን ኢኻ” በሎ።
ነቲ ዅሉ ኻባይ ዝተምሃርኩምዎን፥ ዝተቐበልኩምዎን፥ ዝሰማዕኹምዎን፥ ኣባይውን ዝረአኹምዎን፥ ግበርዎ፤ ኣምላኽ ሰላም ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
ነታ እግዚኣብሄር ዝሓናፂኣን ዝሰራሒኣን፥ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይፅበ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ፥ ከም ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያእቆብን ከዓ፥ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።
ስለዙይውን እግዚኣብሄር፥ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ፥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ፥ ብማሕላ ኣረጋገፀሎም።