Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 26:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ከምቲ ቕድም ብዘመን ኣብርሃም ጥሜት ዝነበረ፥ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኮነ። ይስሓቅ ከዓ ናብ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ጌራራ ኸደ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 26:1
10 Referencias Cruzadas  

ኣብታ ምድሪ ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፥ ኣብራም ኣብኣ ኽቕመጥ ናብ ግብፂ ተሰዲዱ ኸደ።


ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ወዱ ባረኾ። ይስሓቅ ከዓ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ” ኣብ ዝተብሃለ ዒላ ይቕመጥ ነበረ።


ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጀራን ፀብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተልዒሉ ኸደ። ኤሳው ብኸምዙይ ንብዅርናኡ ነዓቓ።


ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት ስለ ዝነበረ፥ ደቂ ያእቆብ ምስ ካልኦት ኮይኖም እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ኸዱ።


እቲ ጥሜት ኣብ ከነዓን በርትዐ።


ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻን እዝ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝብን ካብዙይ ኪዱ፤ ናብታ ‘ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢለ፥ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይቡ።


በቲ መሳፍንቲ ዝገዝኡሉ ዝነበረ ዘመን፥ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ክልተ ደቁን ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos