1 ኣብርሃም ድማ ዕድመ ዝፀገበ ኣረጋዊ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ስራሑ ባሪኽዎ ነበረ።
ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
ኣብራም ከዓ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን የመና ሃብታም ነበረ።
ሽዑ ኣብርሃምን ሳራን ዕድመኣቶም ዝደፍኡ ኣረጋውያን ነበሩ። ንሳራ ድማ እቲ ልማድ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ።
ይስሓቅ ክውለድ እንተሎ፥ ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ።
እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾ፤ ኣዕበዮውን። ኣባጊዕን ኣላሕምን፥ ወርቅን ብሩርን፥ ኣገልገልትን ኣግራድን፥ ኣግማልን ኣእዱግንውን ሂብዎ እዩ።
ይስሓቅ ድማ ንርብቃ ሰበይቱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ንሳ ጓል እቲ ኣብ ማእኸል ክልተ ኣፍላግ ዝነብር ሶርያዊ ባቱኤልን፥ ሓፍቲ እቲ ሶርያዊ ላባን ነበረት።
ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኾ ድማ በታ ዓመት እቲኣ ሚእቲ ዕፅፊ ረኸበ።
ንኣኻ ብዝረድአካ ኣምላኽ ኣቦኻ፥ ብዝባርኸካ ዅሉ ምግባር ብዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ላዕሊ ኻብ ሰማይ ብዝርከብ ረድኤት፥ ካብ መዓሙቕ ምድሪ ብዝርከብ በረከት፥ ካብ ማህፀንን ካብ ጡብን ብዝርከብ ምርቓ ኽባርኸካ እዩ።
ንጉስ ዳዊት ሸምገለ፤ ዕድሚኡውን ነውሐ፤ ክዳውንቲ እንተ ደረቡሉኳ ኽመውቕ ኣይከኣለን።
በረኸት እግዚኣብሄር ተህብትም፤ ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን።
ናብ ኣቦኻትኩም ኣብርሃምን፥ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ተመልከቱ። ሓደ በይኑ እንተሎ ፀዋዕኽዎ፤ ኣነ ኸዓ ባረኽክዎን ኣብዛሕኽዎን።”
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።
እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ።
ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት፥ ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም።
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ሰብነት፥ ንኣካላዊ ብቕዓት ምልምማድ፥ ንቑሩብ ጊዜ ይጠቅም እዩ እሞ፤ ምልምማድ ፅድቂ ግና፥ ነዛ ሕዚ ዘላ ህይወት እዚኣን፥ ነታ እትመፅእን፥ ተስፋ ስለ ዘለዎ፥ ንዅሉ እዩ ዝጠቅም።