5 ይስሓቅ ክውለድ እንተሎ፥ ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ።
በቲ ኣጋር ንእስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ፥ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሽዱሽተን ዓመት ነበረ።
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
ሽዑ ኣብርሃም ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደ። “ወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይወልድ እዩ? ሳራኸ ጓል ተስዓ ዓመት ኮይናዶ ኽትወልድ ትኽእል እያ?” እናበለ ብልቡ ሰሓቐ።
ኣብርሃም ክግረዝ እንተሎ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ነበረ።
ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።
እቲ ነቦይ “ወዲ ተወሊዱልካ” ኢሉ ዘበሰሮ እሞ፥ ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን።
ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፥ ክወልድ ከም ዘይኽእልን፥ ሳራውን ማህፀና ኸም ዝሞተ እናረአየ እኳ፥ እምነቱ ኣይደኸመን።
ኣብርሃም ድማ ብትዕግስቲ ተፀብዩ፥ ነታ ተስፋ ረኸባ።