6 ግና ንዅላ ምድሪ ዘስቲ ግመ፥ ካብ ምድሪ ይወፅእ ነበረ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኻብ መሬት ምድሪ፥ ንሰብ ፈጠሮ፤ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ናይ ህይወት እስትንፋስ ኡፍ በለሉ፤ ሰብ ከዓ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኾነ።
ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።