5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ።
ግና ንዅላ ምድሪ ዘስቲ ግመ፥ ካብ ምድሪ ይወፅእ ነበረ።
ስለዙይ ነታ ዝተፈጠረላ ምድሪ ምእንቲ ኸልምዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውፅኦ።
ንምድሪ ምስ ሓረስካያ ፍረኣ ኣይትህበካን እያ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ድንጉፅን ኰብላልን ኩን” በሎ።
ደጊማውን ንሓዉ ኣቤል ወለደት። ኣቤል ጓሳ ኣባጊዕ ኾነ፤ ቃየል ከዓ ሓረስታይ ኮነ።
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝናም የዝንም፤ ኣብ ልዕሊ ገራሁውን ማይ ይልእኽ።
ካብ ምድሪ፥ እኽሊ ምእንቲ ኸውፅእ፥ እቲ ለምለምውን ንጥቕሚ ወዲ ሰብ፥ ንእንስሳ ድማ ሳዕሪ ተብቍል።
ካብ ወሰን ምድሪ ንደመናት የውፅእ፤ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፤ ንንፋሳትውን ካብ መዛግብቱ የውፅኦም።
እግዚኣብሄር ግና ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም ኣቖማ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዝዘርግሐ ንሱ እዩ።
ድምፁ ምስ ኣስምዐ፥ ማያት ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ይእከቡ፤ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፤ ብጊዜ ዝናም መባርቕ ይገብር፤ ንንፋስ እውን ካብ መዛግቡ የውፅኦ።
ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።
እታ ብዙሕ ጊዜ፥ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም እትሰቲ ምድሪ፥ ነቶም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፥ ካብ እግዚኣብሄር በረኸት ትረክብ።