4 በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረላ መዓልቲ፥ ልደት ሰማያትን ምድርን እዙይ እዩ።
እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም።
ሽዑ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ፤ ብርሃን ድማ ኾነ።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።
እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም።
ደቂ ኖህ፥ ሴም፥ ካም፥ ያፌት እንትኾኑ፥ ንሳቶም ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ዝወለድዎም ድማ፦
ትውልዲ ሴም ከምዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ማይ ጥፍኣት፥ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣርፋክስድ ወለደ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ ዝፈጠሮን ካብቲ ዅሉ ዝገበሮን ግብሩ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንኣኣ ባረኻን ቀደሳን።
ትውልዲ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፥ ኣጋር፥ እታ መገልገሊት ሳራ ግብፃዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፥ እዙይ እዩ፦
ትውልዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም ከምዙይ እዩ፦ ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ።
ኤዶም ናይ ዝተብሃለ ኤሳው ትውልዲ እዙይ እዩ፦
ናብቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ኤዶማውያን ኣቦ ናይ ዝኾነ ኤሳው ትወልዲ ኸምዙይ እዩ፦
መፅሓፍ ትውልዲ ኣዳም እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር በታ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ ንሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ፈጠሮ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ! እግዚኣብሄር፥ ንሱ እዩ ኣምላኽ!” በሉ።
ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! ንስኻዶ ኣይኮንካን ኣብ ሰማይ ዘለኻ? ንዅለን መንግስታት ኣህዛብ እትገዝእስ ንስኻዶ ኣይኮንካን? ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፥ ክቃወመካ ዝኽእል የለን።
ንዝናም ኣቦዶ ኣለዎ? ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለደኸ መን እዩ?
ኣነ ንምድሪ ኽስርታ እንተለኹ፥ ንስኻ ኣበይ ኔርካ? ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ።
ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? እንትርፊ ኣምላኽናኸ እግዚኣብሄር መን እዩ?
ኦ ጐይታ፥ ተኣምራት እትገብር ንስኻ ዓብዪ ኢኻ እሞ፥ ንስኻ በይንኻ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻሞ።
እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፤ ስሙ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ።
ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብዓሌቶም ከምዙይ እዩ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። ሌዊ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
ካብ ዮሃንስ፥ ናብተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመፅእን፥ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን፥ ካብቲ ኻብ ሞት ብምትሳእ በዅሪ ዝኾነን፥ እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና፥ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓፀበና፥
እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።
“ኦ፥ ዘለኻን ዝነበርካን፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ፥ ስለ ዝወሰድካዮን፥ ስለ ዝነገስካን፥ ነመስግነካ ኣለና።
እቲ ኣብ ማያት ስልጣን ዘለዎ መልኣኽ ድማ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን ቕዱስ፥ ከምዙይ ጌርካ ስለ ዝፈረድካ፥ ፃድቕ ኢኻ።