Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 2:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እግዚኣብሄር ድማ ዅሉ ስራሑ ብሽዱሽተ መዓልቲ ፈፂሙ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ስራሑ ኣዕረፈ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 2:2
11 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።


እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ ዝፈጠሮን ካብቲ ዅሉ ዝገበሮን ግብሩ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንኣኣ ባረኻን ቀደሳን።


“ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ግበር፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ብዕራይካን ኣድግኻን፥ እቲ ኣብ ገዛኻ ዝተወልደ ባርያኻን፥ እቲ ስደተኛን ምእንቲ ኸዕርፉ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕርፍ።


ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል።


ኣነ እግዚኣብሄር፥ ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ፈጠርኩ፤ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣዕረፍኩ። ስለዙይ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን፥ ናይ ዘለኣለም መለለዪት እያ።”


“ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥


ኢየሱስ ግና “ኣቦይ ክሳዕ ሕዚ ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣነውን እሰርሕ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።


እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናተይ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብኣኣ ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካንውን ከማኻ ምእንቲ ኸዕርፉስ፥ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ኣገልጋሊኻን ኣገልጋሊትካን ብዕራይካን ኣድግኻን ኵሉ እንስሳኻን ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ዘሎ ጓናን ከቶ ኣይትስርሑ።


እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።


ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ስፍራ፥ “እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ስራሑ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ” ይብል።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos