10 ንገነት ዘስቲ ሩባ ኸዓ ኻብ ኤደን ይወፅእ ነበረ። ካብኡ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ሩባታት ተመቒሉ ይውሕዝ ነበረ።
ሎጥ ከዓ ናብ ዙርያኡ ቘላሕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ናብ ዞዓር ዝወስድ ጐልጐል ዮርዳኖስ ከም ገነት እግዚኣብሄርን፥ ከም ምድሪ ግብፅን፥ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። (እዙይ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ገሞራን ከየጥፍአን እንተሎ እዩ።)
ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።
ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።