3 ንሱ ኸዓ ግዲ በሎም እሞ፥ ናብኡ ኣምርሑ፤ ናብ ገዛኡውን ኣተዉ። ቅጫ ሰንኪቱ ድማ ማእዲ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ።
ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።
እቲ ቘልዓ ኸዓ ዓበየ፤ ጡብውን ሓደገ። በታ ይስሓቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ።
ላባ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ፥ ነዓ እቶ! ንምንታይ ኣብ ደገ ደው ትብል? ንኣኻ መዕረፊ፥ ነግማልካ ኸዓ ሰፈር ኣዳሊወልካ ኣለኹ” በሎ።
ይስሓቅ ድማ ምሳሕ ገበረሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑን ሰተዩን።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ናብ ሱነም ከደ፤ ኣብኡ ኸዓ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ እንጀራ ኽበልዕ ግዲ በለቶ። ኵልሻዕ ብኣኣ ኽሓልፍ እንተሎ ድማ እንጀራ ኽበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ።
“ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ።
እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅእዎ ብሑቕ ኣይበዅዐን ነበረ እሞ ኻብኡ ቕጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ስለ ዝተሰጐጉ ስንቆም ከዳልዉ ጊዜ ኣይነበሮምን።
ይኹን እምበር፥ ዓርኩ ስለ ዝኾነ፥ ተሲኡ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይደለየ፥ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ፥ ተሲኡ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ።
እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ሓሽከሩ ኸምዙይ በሎ፦ ‘ናብ መንገድታትን ፀግዒ ቕፅርታትን ኪድ እሞ፥ ገዛይ ምእንቲ ኽመልእ፥ ግድን ከም ዝመፁ ግበሮም።
ሌዊ ድማ ንኢየሱስ፥ ኣብ ገዛኡ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን፥ ካልኦት ሰባትን ምስኣቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ነበሩ።
ኣብኣ ኸዓ ድራር ገበሩሉ፤ ማርታውን ተገልግል ነበረት፤ ካብቶም ምስኡ ዝተቐመጡ ሓደ ኣልኣዛር ነበረ።
ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።
ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።
ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።
ሽዑ ጌዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ሓሪዱ ኣዳለወ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ወሲዱውን ቅጫ ሰንከተ፤ ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፥ ነቲ መረቕውን ኣብ ቍራዕ ገበሮ። ኣምፂኡ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ዓባይ ኦም ኣቕረበሉ።
እታ ሰበይቲ ኸዓ ኣብ ገዛኣ ስቡሕ ጣዕዋ ነበራ፤ ተቐላጢፋ ድማ ሓረደቶ፤ ሕሩጭ ወሲዳ ኸዓ ለዊሳ ቕጫ ሰንከተት።