2 ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።
ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ።
እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ ሰገደ።
ንሱ ኸዓ ግዲ በሎም እሞ፥ ናብኡ ኣምርሑ፤ ናብ ገዛኡውን ኣተዉ። ቅጫ ሰንኪቱ ድማ ማእዲ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ።
ላባ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ፥ ነዓ እቶ! ንምንታይ ኣብ ደገ ደው ትብል? ንኣኻ መዕረፊ፥ ነግማልካ ኸዓ ሰፈር ኣዳሊወልካ ኣለኹ” በሎ።
እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣእትዩ፥ ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ሃቦም፤ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን።
ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “እምበኣር ናብ ገዛኻ ውረድ፤ እግርኻውን ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ድማ ኻብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ከዓ ደድሕሪኡ ዝተመረፀ ምግቢ ኣስዓበሉ።
ገዛይ ንጋሻ ኽፉት ነበረ፤ መፃእተኛ ኣብ ደገ ኣይሓድርን ነይሩ።”
ብፃይካ ኸይመንወካ እሞ ኸይፀልአካ፥ እግርኻ ናብ ቤቱ ኣይተዘውትር።
ቀሚሸይ ኣውፂአ እየ፤ ከመይ ኢለ ክኽደኖ? እግረይ ተሓፂበ እየ፤ ከመይ ኢለ ኸርስሖ?
ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።
ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ።
ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና።
ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።