Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 19:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ ሰገደ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 19:1
15 Referencias Cruzadas  

ትውልዲ ታራ ኸምዙይ እዩ፦ ታራ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ፤ ሓራን ድማ ንሎጥ ወለደ።


ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጐልጐል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፤ ድንኳኑ ኸዓ ኣብ ጥቓ ሰዶም ተኸለ።


እቶም ሰባት ድማ ኻብኡ ምስ ተስኡ፥ ገፆም ንሰዶም ኣቢሎም ኣምርሑ። ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምስኣቶም ከደ።


እቶም ሰባት ድማ ገፆም መሊሶም ናብ ሰዶም ኣምርሑ። ኣብርሃም ከዓ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ።


እቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ኣጋይሽ ግና ኣእዳዎም ዘርጊሖም፥ ንሎጥ ናብኣቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፤ ነቲ ማዕፆውን ዓፀውዎ።


ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።


ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአ።


ዮሴፍ ከዓ ንደቁ ኻብ ሕቝፊ ኣቦኡ ኣግልስ ኣቢሉ ብገፁ ናብ ምድሪ ሰገደ።


ናብ በሪ እታ ኸተማ ኽወፅእ እንተለኹ፥ ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥


ገዛይ ንጋሻ ኽፉት ነበረ፤ መፃእተኛ ኣብ ደገ ኣይሓድርን ነይሩ።”


እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።


ብዘመን ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፥ ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይሸጡን ይዕድጉን፥ ይተኽሉን ይሃንፁን ነበሩ።


ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።


ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos