3 ካብ ነጌብ ተልዒሉ ኽሳዕ ቤቴል፥ ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ በፅሐ።
ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ሓሊፉ ናብታ ሴኬም እትበሃል ቦታ፥ ናብታ ዓባይ ኦም ሞሬ በፅሐ። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ከነዓናውያን ኣብታ ምድሪ ነበሩ።
ሙሴ ንምድሪ ከነዓን ክስልሉ ኽሰዶም እንተሎ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንደቡብ ኣቢልኩም ውፁ፤ ናብቲ እምባታትውን ደይቡ።
ነታ እግዚኣብሄር ዝሓናፂኣን ዝሰራሒኣን፥ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይፅበ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ፥ ከም ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያእቆብን ከዓ፥ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።