3 ንስንሳቶም ድማ “ንዑ፥ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንጥበሶ” ተበሃሃሉ። እቲ ጡብ ክንዲ እምኒ፥ እቲ ቕጥራን ክንዲ ጭቃ ኾነሎም።
ሽዑ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና፥ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ዘለዋ ኸተማ ንስራሕ፥ ስምና ኸዓ ነፀውዕ” በሉ።
እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ።
እቲ ኣብ ጐልጐል ሲዲም ዝርከብ ጐዳጕዲ ድማ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሰዶምን ገሞራን ክሃድሙ እንተለዉ ኸዓ ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ነገስታት ድማ ናብቲ ጎቦታት ሃደሙ።
ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ኣውፂኡ ብመጋዝን ብመዅዓቲ ሓፂንን ብምሳርን ከም ዝሰርሑ ገበሮም፤ ጡብ ክሰርሑ ኸዓ ኣገደዶም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረን። ድሕሪዙይ ዳዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
ንኣኣቶም ንባዕላቶም ክፉእ ነገር ኣፅንዑ፤ ሕቡእ መፃወድያ ኸፃውዱ ተማኸሩ፤ “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ።
ብርቱዕ ስራሕ፥ ጭቃ ብምፅባርን ጡብ ብምስራሕን ብዅሉ ስራሕ ማሕረስን፥ ህይወት ከም ዝመሮም ገበሩ። ኣብ ኵሉ ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ይጭክኑሎም ነበሩ።
ካብዙይ ንደሓር ምሕብኡ ምስ ሰኣነት፥ ብሻምብቆ ዝተሰርሐ ሓደ ሳፁን ወሲዳ ብቕጥራንን ብእንዳዲዕን ለበጠቶ። ነቲ ህፃን ናብኡ ኣእትያ ድማ ኣብቲ ገምገም ሩባ ኣብ ዘሎ ሰልሰላ ኣንበረቶ።
ንሳቶም፦ “ምሳና ነዓ፤ ኣድቢና ደም ነፍስስ፤ ንንፁህውን ብዘይ ምኽንያት፥ መፃወድያ ነፃውደሉ እንተ በሉ፥
ኣነ ብልበይ “ነዓ ብደስታ ኽፍትነካ እየ፤ ሰናይ ዝኾነ ኸዓ ጠዓም” በልኩ። ግና እንሆ እዙይውን ከንቱ ነበረ።
“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።
እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ኵልሻዕ የቘጥዑኒ፤ ኣብ እንዳ ኣታኽልቲ ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከዓ፥ ዕጣን ይዓጥኑ።
ስለዙይ “ብጡብ ዝተሰርሐ ፈረሰ፥ ንሕና ግና ብውቑር እምኒ ኽንሓንፆ ኢና፤ ኦም ሳግላ ተቘርፀ፥ ግና ብፅሕዲ ኽንትክኦ ኢና” ይብሉ ኣለዉ።
ክትክበቢ ኢኺ እሞ፥ ማይ ቅድሒ፤ ዕርድኺ ኣፅንዒ፤ ናብ ጭቃ ኣቲኺ ርገፂ፤ ጡብ ክትሰርሒ ተዳለዊ።
ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን፥ ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር።
እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።
ንስኻትኩም፥ ኣቱም “ሎሚ ወይ ፅባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ፥ ክንከይድ ኢና፤ እናነገድና ምእንቲ ኽንርባሕ ከዓ፥ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና” እትብሉ ስምዑ።
ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ሃብታማት ንዑ ስምዑ፤ በቲ ዝመፀኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ።