2 ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጕዓዙ፥ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።
መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን።
ኵሉ ምድሪ፥ ሓደ ቛንቋን ሓደ ዘረባን ነበሮ።
እግዚኣብሄር ቋንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፥ እታ ኸተማ “ባቢሎን” ተብሃለት። ካብኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም።
ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ስለ ዝመረፀ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብራምን ሎጥን ከዓ ተፈላለዩ።
በቲ ዘመንቱይ ኣምራፌል ንጉስ ሰናኦር፥ ኣርዮክ ንጉስ እላሳር፥ ኮሎዶጎምር ንጉስ ዔላም፥ ቲድዓል ድማ ንጉስ ጐይም፥
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣቑሑ ኸፊሉ፥ ንናቡከደነፆር ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ንሱ ኸዓ ነቶም ዝማረኾም፥ ናብ ሰናዖር ናብ ቤት ኣማልኽቱ ወሰዶም፤ ነቲ ኣቑሑውን፥ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኣማልኽቱ ኣእተዎ።
ንሱ ኸዓ “ቤት ምእንቲ ኽሰርሓሉ ናብ ምድሪ ሰናዖር እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ። ምስተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ” በለኒ።