2 ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ይልሳ፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ።
ደቂ ኖህ፥ ሴም፥ ካም፥ ያፌት እንትኾኑ፥ ንሳቶም ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ዝወለድዎም ድማ፦
ሴም ከዓ ቘልዑ ወለደ። ንሱ ኣቦ ዅሎም ደቂ ኤቦር፥ ዓብዪ ሓዉ ንያፌት እዩ።
እግዚኣብሄር ንያፌት የስፍሕ፤ ኣብ ድንኳናት ሴምውን ይንበር፤ ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን” በለ።
ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም።
ኣነ መንበርየይ ዝረሓቐ ወይለይ! ኣብ ድንኳናት ቄዳር ሓደርኩ።
ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም።
ዌንዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓፂንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ።
እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝኾነኪ ጋንፅላኺ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ቐጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብፂ ነበረ፤ ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ቀይሕ መጋረጃኺ ነበረ።
“ኣብኡ ሞሳህን ቶቤልን ምስ ኵሉ ህዝቦም ኣለዉ፤ ኣብ ዙርያኣቶም ድማ መቓብሮም ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፥ ኵላቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ እዮም።
ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፥ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡን፥ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ፥ ካብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመፅእ ኢኻ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ጎግ ኣብ ምድሪ ማጎግ፥ እቲ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን መልስ እሞ ኣንፃሩ ተነበየሉ፤
ንጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ቤት ቴርጋማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፥ ንብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ ኸውፅኦም እየ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንጎግ ተነበየሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፥ ኣታ ጎግ ሓለቓ ሞሳሕን ቶቤልን እኒሀኹ፥ ኣነ ኣብ ልዕሌኻ እየ።
ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ንዝነብሩ ኣህዛብ፥ ከስሕቶም፥ ንጎግን ንማጎግንውን፥ ንውግእ ምእንቲ ኽእክቦም ክወፅእ እዩ። ቍፅሮም ድማ፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እዩ።