1 ደቂ ኖህ፥ ሴም፥ ካም፥ ያፌት እንትኾኑ፥ ንሳቶም ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ዝወለድዎም ድማ፦
ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ይልሳ፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ።
በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረላ መዓልቲ፥ ልደት ሰማያትን ምድርን እዙይ እዩ።
መፅሓፍ ትውልዲ ኣዳም እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር በታ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ ንሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ፈጠሮ።
ኖህ ከዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።
ትውልዲ ኖህ ከምዙይ እዩ፦ ኖህ ብትውልዱ ፃድቕን ቅኑዕን ሰብ ነበረ። ኖህ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ።
እግዚኣብሄር ንኖህን ንደቁን ባረኾም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ኸዓ ምልእዋ።
እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ዝተወለዱ ኸዓ ንዅላ ምድሪ መልእዋ።
ኖህ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
“ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።”
ኣዳም ንሴት፥ ሴት ንሄኖስ ወለደ።
ላሜህ ንኖህ፥ ኖህ ከዓ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።
ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦