7 እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ።
እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
ኣብ ምድሪ ንምብራህ፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹኑ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ፥ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፥ እንስሳን፥ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፥ ኣራዊትን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ጠፈር “ሰማይ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ካልአይቲ መዓልቲ።
እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
ንማያት ኣብ ደመና ይቛፅሮ፤ እቲ ደመናውን ብታሕቲ ኣይተቐደደን።
ዓይኒ ማያት ናብ ቈላታት ይልእኽ፤ ብመንጎ እምባታት ማያት ይሓልፉ፤
ንሰማያት ብጥበብ ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
ሰማያት ክብሪ እግዚኣብሄር ይናገሩ ኣለዉ፤ ናይ ሰማይ ጠፈርውን ግብሪ ኣእዳዉ የውርዩ።
መዓልቲ ንመዓልቲ ነገር ተውፅእ፤ ለይቲ እውን ንለይቲ ፍልጠት ትናገር።
ደመና ዝናም እንተ መልአ ናብ ምድሪ የፍስሶ፤ ኦም ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ እንተ ወደቐ፥ ኣብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ይነብር።
እቶም ሰባት ከዓ፥ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ ከመይ ዝበለ እዩ!” ኢሎም ተገረሙ።