6 እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።
እግዚኣብሄር ድማ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፤ ንምልክት ንዘመናትን ንመዓልቲታትን ንዓመታትን ከዓ መፍለዪ ይኹኑ።
እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ።
ብመንፈሱ ሰማያት ፅባቐ ረኸቡ፤ ኢዱውን ነቲ በራሪ ገበል ወግኦ።
ንደመናታት ማይ ይፅዕኖም፤ ንናይ መብረቕ ደመናታትውን ይብትኖም።
ነቶም ከም ዝመኸኸ መስትያት ንዝኾኑ ሰማያት፥ ምስኡ ዄንካ ኽትዝርግሕ ምኸኣልካዶ ኔርካ?
ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፤ ንሰማይ ከም ድንኳን ዘርጋሕኻዮ፤
ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ኣብ መቕደሱ ኣመስግንዎ፤ ብፅንዓት ሓይሉ ኣመስግንዎ።
ሰማያት ክብሪ እግዚኣብሄር ይናገሩ ኣለዉ፤ ናይ ሰማይ ጠፈርውን ግብሪ ኣእዳዉ የውርዩ።
መዓልቲ ንመዓልቲ ነገር ተውፅእ፤ ለይቲ እውን ንለይቲ ፍልጠት ትናገር።
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ንሱ ተዛሪቡ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ።
ደመና ዝናም እንተ መልአ ናብ ምድሪ የፍስሶ፤ ኦም ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ እንተ ወደቐ፥ ኣብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ይነብር።
ንሱ እዩ ልዕሊ ኽቢ ምድሪ ዝቕመጥ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኸም ኣንበጣ እዮም፤ ንሰማያት ከም መጋረጃ ይዝርግሖ፤ ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ።
እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።
እግዚኣብሄር ብሓይሉ ንምድሪ ፈጠራ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም መስረታ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዘርግሖም።
ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ሰማያት ካብ ጥንቲ፥ ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥሩ፥ ምድሪ እውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝፀንዐት፥ ኮነ ኢሎም ይኽሕዱ።