Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 1:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ብርሃን “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀልማት ከዓ “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ቀዳመይቲ መዓልቲ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 1:5
16 Referencias Cruzadas  

ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሳልሰይቲ መዓልቲ።


ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ራብዐይቲ መዓልቲ።


ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሓምሸይቲ መዓልቲ።


እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።


እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ጠፈር “ሰማይ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ካልአይቲ መዓልቲ።


ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።


ፀልማት ተምፅእ፤ ለይቲውን ይኸውን፤ ኵሎም ኣራዊት በረኻ ብኡኡ ይወፁ።


መዓልቲ ንመዓልቲ ነገር ተውፅእ፤ ለይቲ እውን ንለይቲ ፍልጠት ትናገር።


ካብ ተኣምራትካ ዝተልዓለ ኣህዛብ ይድንግፁ፤ ኣብ ወሰን ምድሪ ዝነብሩውን ይፈርሑ፤ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መውፅኢ ድማ ተሐጕሶም።


መዓልቲ ናትካ እያ፤ ለይቲውን ናትካ እያ፤ ንስኻ ንወርሕን ንፀሓይን ኣፅናዕኻየን።


ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ለይትን መዓልትን በብጊዜኡ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ናይ መዓልቲ ቓል ኪዳነይን ናይ ለይቲ ቓል ኪዳነይን ምፍራስ እንተ ኽኢልኩም፥


ህዝቢ እስራኤል ብምሉኦም ከዓ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዑ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።


ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ፥ ብሓዊ ኽትግለፅ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ።


ኵሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና፥ ይረአ፤ ኵሉ እቲ ዝረአ ብርሃን እዩሞ።


ንስኻትኩምስ፥ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና፥ ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos