3 ሽዑ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ፤ ብርሃን ድማ ኾነ።
በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረላ መዓልቲ፥ ልደት ሰማያትን ምድርን እዙይ እዩ።
ኣብ ዙርያኡ ብርሃኑ ይዝርግሕ፤ ንመዓሙቝ ባሕሪ እውን ይሽፍኖ።
ናብ ወሰኑ ንኽተብፅሖ፥ ናብ ቤቱ እትወስድ መንገድታትውን ክትፈልጥስ፥ መንገዲ መንበሪ ብርሃን ኣበይ እዩ? ቦታ ፀልማትከ ኣበይ ኣሎ?
ንብርሃን ከም ልብሲ ለበስካዮ፤ ንሰማይ ከም ድንኳን ዘርጋሕኻዮ፤
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፤ ንሱውን ኣብርሀልና፤ ክሳዕ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፥ ነቲ መስዋእቲ በዓል ብገመድ ኣሰርዎ።
ንሱ ኢሉ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱውን ኣዚዙ እዩሞ ተፈጠሩ፤ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ንሱ ተዛሪቡ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ።
ብርሃን ንፃድቃን፥ ደስታ ኸዓ ንቕኑዓት ልቢ ወፀ።
ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“ኣነ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ክኾነልኪ፥ ኣምላኽኪ ድማ ኽብርኺ ክኸውን እዩሞ፥ ድሕሪዙይ ፀሓይ ብመዓልቲ፥ ብርሃንኪ ኣይትኸውንን፤ ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ።
ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ድማ በሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ለምፁ ነፅሀ።
ብርሃንውን ኣብ ፀልማት የብርህ፤ ፀልማት ከዓ ኣይሰዓሮን።
እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።
እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር፥ ነዓ ናብ ደገ ውፃእ!” በለ።
እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መፀ፤ ሰባት ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ፥ ካብ ብርሃን ፀልማት ፈተዉ።
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፤ ካብ ምዉታንውን ተስእ፤ ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ።
ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፥ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦ “እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ፀልማት ከቶ የለን” እትብል እያ።
መሊሰ፥ ብኡኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝኾነ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እፅሕፈልኩም ኣለኹ፤ ፀልማት ሓሊፉ፥ ድሮ እኳ ብርሃን ሓቂ የብርህ ኣሎ።