21 እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን፥ ነቶም ማያት ዘውፅኦም በብዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ዝንቀሳቐሱ ዅሎምን፥ ክንፊ ዘለዎም በብዓይነቶም ኵሎም ኣዕዋፍን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ።
እግዚኣብሄር ድማ “ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፤ ንኣዕዋፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ብዝሑ” ኢሉ ባረኾም።
እግዚኣብሄር ከዓ ኣራዊት ምድሪ በብወገኑ፥ እንስሳ በብወገኑ፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስውን በብወገኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዅሉ ኣራዊት በረኻን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ መሬት ፈጠረ። እንታይ ኢሉ ስም ከም ዘውፅአሎም ምእንቲ ኽርኢ ኸዓ ናብ ኣዳም ኣምፅኦም። ኵሉ ህይወት ዘለዎ ድማ በቲ ኣዳም ዘውፅአሉ ስም ተሰምየ።
ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቶም፥ ካብ እንስሳ በብዓይነቶም፥ ኣብ ምድሪ ካብ ዝንቀሳቐሱ በብዓይነቶም ጌርካ፥ ካብ ዝኾነ ዓሌት ከክልተ ምሳኻ ናብ መርከብ ይእተዉ።
ኵሎም ኣራዊት በብወገኖምን፥ ኵሎም እንስሳ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐሱ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣዕዋፍ በብወገኖምን፥ ክንፊ ዘለዎ ዅሉን ናብ መርከብ ምስኣቶም ኣተዉ።
ኵሉ ምሳኻ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ኵሉ ለመምታን፥ ኣብ ምድሪ ኽባዝሑ ምሳኻ ኣውፅኣዮም፤ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን” በሎ።
ኵሉ ኣራዊትን፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሎም ኣዕዋፍን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን ድማ በብዓሌታቶም ካብታ መርከብ ወፁ።
ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ።
“ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።”
“ግና ንእንስሳት ጠይቕወን እሞ፥ ክምህራኹም እየን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን ጠይቕወን፥ ክነግራኹም እየን።
“ምዉታን ሰባት ኣብ ትሕቲ ማያት፥ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ማያት ዝነብሩ ኾይኖም የንቀጥቅጡ።
ስለ ምንታይ ሓላዊ ትገብረለይ? ኣነዶ ባሕሪ ወይ ዓሳ ኣንበሪ እየ?
ኵልኻትኩም ገበላት መዓሙቝ ማያት፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ኣመስግንዎ።
እቶም ካብኣቶም ዝተወለዱ እስራኤላውያን ግና ተፋረዩ፤ ሰሰኑ፤ በዝሑ፤ የመናውን በርትዑ፤ እታ ምድሪ ግብፂውን ብኣኣቶም መልአት።
እቲ ሩባ ድማ ብጭንቍራዕ ፈኽፈኽ ክብል እዩ። ካብቲ ሩባ ወፂአን ድማ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት መኳንንትኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ ንፅባኻን ኽኣትዋ እየን።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ መልቀስ ኣልቅሰሉ በሎውን፦ ‘ንስኻ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፥ ኣብ ባሕርታት ከዓ ኸም ገበል ትመላለስ ነበርካ፤ ኣብ ሩባታትካውን ጠውላሕላሕ በልካ፤ በእጋርካ ማያት ኣናዊፅካ ነቲ ወሓዚ ድማ ዘረግካዮ።
እግዚኣብሄር ግና ንዮናስ ዝውሕጥ ሓደ ዓብዪ ዓሳ፥ ኣዳለወ። ዮናስ ከዓ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፤ ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ።
ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።