Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘፍጥረት 1:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ።

Ver Capítulo Copiar




ዘፍጥረት 1:11
20 Referencias Cruzadas  

እታ ምድሪ ኸዓ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሳዕርን፥ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝህብ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።


እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሓመልማልን፥ ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ናይ ዅሉ ኣእዋም ፍረን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፥ ምግቢ ይኹንኩም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፦ “ካብቲ ኣብ ገነት ዘሎ ዅሉ ፍረ ኦም ብላዕ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ምርኣዩ ዘብህግ፥ ምብልዑ ኸዓ ጥዑም ዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን፥ እታ ኽፉእን ፅቡቕን እተፍልጥን ኦም ኣብቈለ።


እንጀራ ካብ ውሽጢ ምድሪ ይወፅእ፤ መዓሙቓ ኸዓ ኸም ብሓዊ ይገላበጥ።


ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።


ንሰማያት ብደመና የጐልብብ፤ ንምድሪ እውን ዝናብ የዳሉ፤ ኣብ እምባታት ድማ ሳዕሪ የብቍል፤ ለምለምውን ንደቂ ሰባት ጥቕሚ ይህብ።


ምድሪ በቝሊ ኸም እተብቍል፥ ገነትውን ዘርኡ ኸም ዘብቍል፥ ከምኡ ጐይታ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ።


ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥ ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥ ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥ ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥ ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”


እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።


እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!


እታ ምድሪ ባዕላ ተብቍል፤ ቅድም በቝሊ፥ ደሓር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ፥ ብፁሕ ስርናይ፥


ኣምላኽ ግና፥ ከም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ኣካል ዝህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን፥ ነናቱ ኣካል ይህቦ።


እታ ብዙሕ ጊዜ፥ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም እትሰቲ ምድሪ፥ ነቶም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፥ ካብ እግዚኣብሄር በረኸት ትረክብ።


ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኦም በለስ ፍረ ኣውሊዕ፥ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ፥ ክትፈሪዶ ይከኣላ እዩ? ከምኡውን እታ መሪር ማይ እትፍልፍል ዒላ፥ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos