10 እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም።
ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይኹን፤ እግዚኣብሄር ብስራሑ ደስ ይብሎ።
ንሱ ንሰማይን ምድርን፥ ንባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ እዩ፤ ንሓቂውን ንዘለኣለም ዝሕልዋ፥
ንማያት ባሕሪ ኸም ሓርቢ ኣብ ሓደ ይእክቦ፤ ንቓላያትውን ኣብ መዛግብቲ የንብሮም።
ባሕሪ ናቱ እያ፤ ንሱውን ፈጠራ፤ ንንቑፅ ምድሪ እውን ኣእዳዉ ሰርሖ።
ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ የብስን ዝፈጠረ፥ ንኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር ዘምልኽ እየ” በሎም።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።