1 እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ፈጠርካዮ።
ኣህዛብ ዝሰግዱሎም ኵሎም ኣማልኽቲ፥ ጣዖታት እዮም፤ እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ንሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ መልሲ ሰደደሉ፦ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፥ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንገሰካ።”
ኦ ጐይታ፥ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር፤ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቶምን፤ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ነዝ ኵሉ ብህይወት እተንብሮ ኸዓ ንስኻ ኢኻ፤ ሰራዊት ሰማይውን ይሰግዱልካ።
ብመንፈሱ ሰማያት ፅባቐ ረኸቡ፤ ኢዱውን ነቲ በራሪ ገበል ወግኦ።
ኣነ ንምድሪ ኽስርታ እንተለኹ፥ ንስኻ ኣበይ ኔርካ? ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ።
ንሱ በይኑ ንሰማያት ዘርግሖ፤ ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኸዓ ይኸይድ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ንምድሪ መስረትካ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
ኦ ጐይታ፥ ግብርካ የመና ዓብዪ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ብጥበብ ገበርካዮ፤ ምድሪ ኸዓ ብፍጡራትካ መልአት።
መንፈስካ ትልእኽ፥ ንሳቶምውን ይፍጠሩ፤ ንገፅ ምድሪ እውን ትሕድስ።
ንስኻትኩም ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ እግዚኣብሄር ቡሩኻቱ ኢኹም።
ረድኤተይስ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፥ ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ረድኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ።
ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር፥ ካብ ፅዮን ይባርኽካ።
ንሰማያት ብጥበብ ዝፈጠረ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ንሱ ንሰማይን ምድርን፥ ንባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ እዩ፤ ንሓቂውን ንዘለኣለም ዝሕልዋ፥
ብቓል እግዚኣብሄር ሰማያት ፀንዑ፤ ኵሉ ሰራዊቶምውን ብእስትንፋስ ኣፉ ፀንዑ።
ንሱ ተዛሪቡ እዩሞ ኾኑ፤ ንሱ ምስ ኣዘዘውን ፀንዑ።
ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥ ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥
ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ? ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?
እምባታት እንተይተወለዱ፥ ምድርን ዓለምንውን እንተይተፈጠሩ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኢኻ።
ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ፥ ኣጋንንቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።
እግዚኣብሄር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ፈጢሩ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕሪፉ እዩሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻ፤ ቀደሳውን።
እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።
እግዚኣብሄር ንዅሉ ንባዕሉ ፈጠሮ፤ ንሓጥኣን ድማ ንመዓልቲ ኽፍኣት ኣዳለዎም።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ መስረታ፤ ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓል ኣፅንዖም።
ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
“ኦ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘለኻ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ።
ኣይፈለጥኩምን ዲኹም? ወይ ኣይሰማዕኹምን ዲኹም? ካብ ጥንቲዶ እዙይ ኣይተነገረኩምን እዩ? ምድሪ ኻብ እትምስረት ጀሚሩዶ ኣየስተውዓልኩምን ኢኹም?
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
ኣይፈለጥካን ዲኻ፥ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፥ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ እዩ፤ ኣይደክምን፤ ኣይሕለልን፤ ምስትውዓሉውን ኣይምርመርን እዩ።
እቲ ንሰማይ ዝፈጠሮን ዝዘርግሖን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ንዘሎን ዘፅንዐ፥ ነቲ ኣብኣተን ዘሎ ህዝቢ እስትንፋስ ዝሃበ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ድማ መንፈስ ዝሃበ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣብ ማህፀን ዝሰርሐካ ዝተቤዘወካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቲ ንዅሉ ዝፈጠርኩ፥ ንሰማያት በይነይ ዝዘርጋሕኹ፥ ንምድሪ ዘፅናዕኹ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ።
ንሰማያት ዝፈጠረ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ እውን ዝፈጠራን ዘመዓራረያን ዘፅንዓን፤ ንሱ መሕደሪ ሰብ ክትከውን እምበር፥ ጥራሓ ክትከውን ዘይፈጠራ፥ ኣምላኽ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
ነቲ ንሰማያት ዝዘርግሐ፥ ንምድሪ ኸዓ ዝመስረተ፥ ፈጣሪኻ እግዚኣብሄር ረሲዕኻ፤ ኵልሻዕ፥ ምሉእ መዓልቲ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንምጥፋእኻ ዝተዳለወ ገፋዒ፥ ትፈርሕ ኣለኻ፤ ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?
ንሰማያት ክዝርግሕ፥ ንምድሪ ኸዓ ኽምስርት፥ ንፅዮን ድማ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልስ፥ ቃለይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፤ ብፅላል ኢደይውን ከወልኩኻ።”
“እንሆ፥ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየሞ፥ እቶም ቀዳሞት ኣይዝከሩን፤ ኣብ ልቢውን ኣይሕሰቡን እዮም።
እግዚኣብሄር ግና ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም ኣቖማ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዝዘርግሐ ንሱ እዩ።
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
እግዚኣብሄር ብሓይሉ ንምድሪ ፈጠራ፤ ብጥበቡ ኸዓ ንዓለም መስረታ፤ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዘርግሖም።
ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ።
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
ንሱ እቲ ዓለምን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ ኣምላኽ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ፤ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ መቕደስ ኣይነብርን እዩ።
ንሳቶምውን ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም፥ ድምፆም ልዕል ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በሉ፦ “ኦ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣተን ዘሎ ዅሉን፥ ዝፈጠርካ ጐይታ!
ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!
ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።
እቲ ኻብ ዘለኣለም፥ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ።
ከምኡ ድማ፦ “ኦ ጐይታይ፥ ንስኻ፥ ካብ መጀመርታ ንምድሪ መስረትካያ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።
ኵሉ ዓለማት ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥረ፥ እቲ ዝረአ ድማ፥ ካብ ዘይረአ ኸም ዝተፈጥረ፥ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።
ንሕድሕድ ገዛ፥ ሰብ ይሰርሖ፤ እቲ ንዅሉ ዝሰርሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
ሰማያት ካብ ጥንቲ፥ ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥሩ፥ ምድሪ እውን ካብ ማይን ብማይን ከም ዝፀንዐት፥ ኮነ ኢሎም ይኽሕዱ።
ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፥ ንሕና ብእዝንና ዝሰማዕናዮ፥ በዒንትና ዝረአናዮ፥ ዝጠመትናዮ፥ በእዳውናውን ዝዳህሰስናዮ ቓል ህይወት፥ ንነግረኩም ኣለና።
በቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ዝኾነ፥ ንሰማይን ኣብ ውሽጡ ዘሎን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ንባሕርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ብዝፈጠረ እግዚኣብሄር መሓለ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ፤
ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።
ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ መጀመርታን መወዳእታን፥ ኣነ እየ።”
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ንስኻ፥ ክብርን ምስጋናን ስልጣንን ክትቅበል ይግበአካ እዩ። ንዅሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ።