3 ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል።
ስለ ውህብቶኡ ብሓሰት ዝጅሃር ሰብ፥ ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደመናን ንፋስን እዩ።
“ኣነ ጥበበኛ እየ” ዝብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ካብኡ ንሰነፍ ተስፋ ኣለዎ።
እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ቅድሚ ሕዚ ቴዎዳስ፥ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሲኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተ ኾነ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ፥ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ።
ንስንሳትኩም ብሓደ ሓሳብ ተስማምዑ፤ ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ፥ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፥ ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊፁ ኸይሓስብስ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ፥ ብዝተውሃበኒ ፀጋ እምዕዶ ኣለኹ።
ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።
ሓደኳ ንባዕሉ ኣየታልል፤ ካባኻትኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን።
ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተ መሰሎ፥ ነቲ ዝፈልጦ፥ ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን።
ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብሕ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ካብቶም “ብሉፃት ሃዋርያት” ኢና ዝብሉ፥ ኣይንእስን እየ።
ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።
እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።
እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።
እቶም ክፉኣት ሰባትን መምሰልትን ግና፥ እናኣስሓቱን እናሰሓቱን፥ ናብ ዝገደደ ኽፍኣት ክበፅሑ እዮም።
ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።
ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣምልኽ እየ እንተበለ፥ ንልሳኑ ግና ኽቈፃፀር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ ደኣ የታልል ኣሎ እምበር፥ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
ሓጢኣት የብልናን እንተ በልና፥ ንባዕልትና ነታልል፤ እቲ ሓቂውን ኣባና የለን።