2 እንሆ፥ ኣነ ጳውሎስ እነግረኩም ኣለኹ፦ እንተ ተገረዝኩም፥ ክርስቶስ ፈፂሙ ኣይጠቕመኩምን እዩ።
ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
“ንሕና ሓንቲኳ ዘይኣዘዝናዮም ሰባት ካባና ወፂኦም፥ ክትግረዙን ሕጊ ሙሴ ኽትሕልዉን ኢሎም፥ ብቓሎም ከም ዘናወፁኹምን፥ ንልብኹም ከም ዝሃወኹን ሰሚዕና ኣለና።
ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሲኦም “ኣህዛብ ክግረዙን፥ ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ።
እዛ ሰላምታ እዚኣ፥ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝፀሓፍክዋ እያ።
ኣነ ጳውሎስ፥ ኣብ ቅድሜኹም ትሑት፥ ካባኻትኩም እንትርሕቕ ግና፥ ደፋር ዝተብሃልኩ፥ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን፥ እልምነኩም ኣለኹ።
ኣሕዋተይ፥ ኣነ “ግርዘት የድሊ እዩ” እናበልኩ፥ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ፥ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ።
ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ጊዜ፥ ክልተ ጊዜ ኽመፅእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ኣዐንቀፈኒ።
ኣነ ጳውሎስ፥ ክንድኡ ክኸፍለካ እየ ኢለ፥ ብኢደይ እፅሕፈልካ ኣለኹ። ንስኻውን በዓል ዕዳይ ከም ዝኾንካ ምዝራብ ኣየድልየንን እዩ።
ኣነ ጳውሎስ፥ ሽማግለ፥ ሕዚ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ፥
ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን።