Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ገላትያ 4:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።

Ver Capítulo Copiar




ገላትያ 4:6
30 Referencias Cruzadas  

“ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅ ምሩፅ ምድሪ ርስቲ ኣህዛብ፥ ክህበኪ እየ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ እውን ‘ኣቦይ’ ኢልኪ ኽትፅውዕኒ፥ ንኣይ ካብ ምኽታልውን፥ ኣይትምለስን ኢለ ነበርኩ።”


“ሕዚ ኸዓ እንሆ ‘ኣቦይን መሓዛ ንእስነተይን ንስኻ ኢኻ፤ ኢልኪዶ ትፅውዕኒ ኣየለኽን?


“ኣባ፥ ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን” በለ።


እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”


ንሱ ኸዓ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።


ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ።


እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።


እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።


እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር።


እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።


ኣብ ሚስያ ምስ በፅሑ፥ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።


እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።


ንስኻትኩም ግና፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ብርግፅ ሓዲሩኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብመንፈስ እምበር፥ ብስጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን።


“እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም፥ ህያው ነፍሲ ኾነ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ።


ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።


ጐይታስ፥ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።


ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም።


ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።


ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ።


ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።


ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥


እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።


እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ፥ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ዝስዕብ ክብሩን፥ ተነቢዩ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፥ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን፥ ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ፥ ይምርምሩ ነበሩ።


ኣቱም ፍቑራተይ፥ ንስኻትኩም ግና፥ በታ ልዕሊ ዅሉ ዝተቐደሰት እምነትኩም፥ ንርእስኹም እናሃነፅኩም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ፀልዩ።


ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነውን፥ ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዝሕልዉ ኣሕዋትካን፥ ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ፤ እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት፥ ናይ ትንቢት መንፈስ እዩ እሞ” በለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos