12 ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝመሰልኩ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ክትመስሉ እልምነኩም ኣለኹ፤ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን።
ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ብምግራዝ ከማና እንተ ኾይንኩም ጥራሕ ኢና ሕራይ እንብለኩም፤
ንኢዮሳፍጥ ከዓ “ንሬማት ዘገለዓድ ክንዋግኣስ፥ ምሳይዶ ኽትከይድ ኢኻ?” በሎ። ኢዮሳፍጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል “ኣነ ኸማኻ፥ ህዝበይውን ከም ህዝብኻ፥ ኣፍራሰይውን ከም ኣፍራስካ እዮም” በሎ።
ንስኻ፥ ንዅሎም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ፥ ደቆም ከይገርዙ፥ ብስርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፥ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።
ሰብ ዘሕዘነ እንተ ሃልዩ፥ ንኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ከየኽብዶ ደኣ እምበር፥ ንዅልኻትኩም እዩ ዘሕዘነ።
ኣቱም ሰብ ቆሮንቶስ፥ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፤ ልብናውን ኣስፊሕና ኢና።
ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፥ ከም ደቀይ እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ልብኹም ኣስፍሑ።
ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ።
ኣባኻትኩም ንኸንቱ ደኺመ ኸይከውን እፈርሕ ኣለኹ።
ብመጀመርታ ጊዜ ወንጌል ዝሰበኽኩልኩም፥ ካብ ድኻም ስጋ ዝተልዓለ ኸም ዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም።
ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።
ኣሕዋተይ፥ ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።